1. መእተዊ
ኣብይ ስልጣን ክሕዝ ናይ liberal political ideological and/or free market economy ሽፍን ተጠቂሙ 'ዩ። ኮይኑ ግን ናይ ባዕሉ ኣጀንዳ ነይረምዎ እዩም! መሰረቶም 'ወን ታርካዊ ፣ ወልቀ ባህግታትን ቂም-በቀልን 'ዮም።
2. ቀንዲ ዕላማታት ኣብይ
ብሓፂሩ ዕለማ ኣብይ ግልፂ እዩ ዝብሎም መሰረታዊ ዘዕባታት ተወሰነ ክጠቅስ:
- ሀ. ኣብ ስልጣን ንነዊሕ ምፅናሕ
- ለ. Homogenized ማ/ሰብ ምፍጣር (political, cultural, religious etc.)
3. ዕላማታት ኣብይ ብምንፅር ትግራይ
ኣብ ትግራይ ንምንታይ ናይ ኣብይ ዕላማ ብኣሉታ ይፀልውና ዝብል ብክልተ መንፅር ንረኣዮ:
3.1. TPLFን ኣብይን
ብመሰረቱ ዘባኣሶም ኣብ ፌደራል ዘሎ ናይ ስልጣን ልዕልና ኢሉ 'ውን እቲ ፌደራል ስርዓት (at least in principle) እንታይ ከመስል ከምዘለዎን እዮም!
3.2. ህዝብ ትግራይን ኣብይን
ብሓፈሻ ናይ ትግራይ ማሕበረሰብ ብፈለይ እቲ elite እታ ናይ ሎሚ ኢትዮጵያ እንታይ ክትመስለ ከምዘለዋ ካብ ናይ ኣብይ ዝተፈለየ ኣራኣእያ እዩ ዘለዎ ማለት 'ወን ካብ ኩሎም ብሄራት ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ማዕረ ተሰማዕነት (ሓበራዊ ድልየትን ረብሓን መሰረት ዝገበረ) ክህለዎም ኣለዎ እስካዕ ሃገር ክንኮን ኣለና።
ብኣንፃሩ ግን ኣብ ናይ ኣብይ ምሕደራ ፡ ኣብ ዝወፁኡ ሕግ ድንብታት ፣ ፖሊስን ስትራቴጂን ብውልቀ ድልየቱን ብዓብላላይ ቁፅር ናይ ዝተወሰኑ ብሄርን ፀዲቆም ኣብ ካለኦት ብሄር ተግባራዊ ንክኮኑ ፃዕርታት ኣብ ምግባር ይርከብ!
4. ስፍሓትን ከይዲ ትግበራን ዕላማታት ኣብይ ኣብ ትግራይ እንታይ ይመስል?
ኣብይ ባህግታቱ ንምስካዕ ምስ ትግራይ ተኣሳሱሩ ስፍሕቲ ስራሓቲ ኣብ ምፍፃም ይርከብ። እቲ genocidal war ከም ዘሎ ኮይኑ ተወሰነ ኣብነት ከልዕል፦
ሀ. ማሕበራዊ
ምስ ታክትካል መሓዙቱ ብምኮን ናይ ትግራይ ተወለድቲ ኣብ ዝተፋላለዩ ክፍላት ኢትዮጵያ ዝነብሩ ክፋናቀሉ ፣ ክእሰሩን ክቅተሉን ገይሩ እዩ ። TPLF ዝፈጠሮ ሽግር ካምዘሎ ከይኑ ኣብይ ንህዝቢ ትግራይ ምስ ጎረቤብቱ ማለት እውን ኣምሓራ ፣ ኤርትራን ዓፋርን ኣባእስዎ እዩ። ዝተወሰነ ክፍላት መሬት ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ንኣለቡሩሃን ንምሃብ ቃል ብምእተው ምስ ህዝቢ ሱዳን 'ውን ቅርሕንቲ ንምፍጣር መኩሩ እዩ!
እዚ ካዓ ንክልተ ነገር ተጠቂምሉ፦ 360 ከቢብካ ህዝብ ትግራይ ንምፅናትን ምስ ጎረቤትና ምሕዝነት ፈጥርና ኣንፃሩ ከይንላዓልን!
ለ. ወታደራዊን ድሕንነትን
ትግራይ ብዚ መዳይ ንምድካም ሰብ ሙያ ውትድርናን ድሕንነትን ተወለድቲ ትግራይ ክርሸኑ ፣ ክእሰሩ ፣ ክባረሩን ካይዓብዩን ግይሩ ኣብ ምግባር እውን ይርከብ። እቲ ካይዲ ግልፂ ንምግብር ድሕሪ ተወሰነ ኣወርሕ ስልጣን ምስሓዛ ተጋሩ ድሕንነትን ጀነራላትን ምብራር ጀሚሩ ፣ ሰዒቡ ጀነራል ሰዓረ ምቅታል ፣ መወዳእቱ ካዓ ትግራይ ዘይብሉ ምክልካል ስራዊትን ድሕንነትን ሃኒፁ።
ሐ. ፖለቲካዊ
ብሓፂሩ ትግራይ ኣብ ሃገራዊ ወሳነታት ኣብዘይትሳተፈሉ ንክትፍፅሞም ኣብትግደደሉ ብርኪ ንርካብ።
መ. ኢኮኖሚያዊ
ናይ ትግራይ ሃፍቲ ድሕሪ ምውራስን ምዕናውን ተሳተፎ ሰብ ሃፍቲ ተጋሩ ድማ ካብቶም ናይ ኢ/ያ ዋና ዓምድታት ኢኮኖሚ ማለት 'ወን ሕርሽ ፣ ቱሪዝም ፣ ማንፋክቸርግ ፣ ማዕድንን ICTን ካምኡ'ወን "emerging sectors" like privatizations and digital economy ከይሳተፊን ካብ ውድድር ወፅኢ ክኮኑን ሰሪሑን ኣብ ምስራሕን ይርከብ። ብተወሳኪ ምስናይ ወፅኢ መሻርክቱ ብምኮን ማዕድናት ትግራይ ኣብ ምብዝባዝ ይርካብ።
ሠ. ባህልን ቱሪዙምን
ካብ ምዕናውን ምጥፈኣን ብተወሳኪ ኣብይ ኣብ ትግራይ ዝረከብ ሓድግታት ኣምስልካ ምስራሕን ዝተዛብዑ ታሪካት ኣብ ምፍጥርን ተወፊሩ ይርከብ!
ረ. ሃይማኖታዊ
ኣብ ትግራይ ካብቲ ናይ መንግሰቲ ትካላት ናይ ሃይማኖት ትካላት መሓውር ይብርትዕ ፣ ዝላዓለ ተሰማዓነት 'ውን ኣለወን። ነዚ እዩ 'ወን ህወሓት ንመራሕቲ ሃይማኖት ክጥቀመሎም ንዕዘብ።
ኣብይ 'ወን ተመሳሳሊ ዕለምኡ ንምፍፃም ንሱ ዝዝውሮ ሃማኖታዊ ትካል ንምፍጣር ኣብ ምሽብሻብ ይርከብ። እዚ ካዓ ብድጋፍ ግለ ኣብ ኢ/ያን ምዕራባዊያን ዝርከቡ ሃይማኖታዊ ትካላት ብሽፍን ሰብአዊ ሓገዝ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቃሳት 'ዩ።
5. ናይ ኣብይ ስልትታት ዲፕሎማሲን ፕሮፓጋንዳን
- ሀ. Creating fake justification mechanism or fabrication of facts and information or cherry-picking fallacy.
- ለ. Proposing and passing fake laws, establishing agencies and commissions, and using popular terminology for the purpose of deceiving diplomatic communities, while temporarily aligning with public demands. Examples include law enforcement, attacks on northern command, border commission, transitional justice, reconciliation commission, etc.
- ሐ. Infiltration or indoctrination of affiliate cadres in regional and international organizations, such as IGAD, AU, UN, as well as top world universities or other reputable institutions, etc.
6. ቀፃሊ ሽቶታት ኣብይ ኣብ ትግራይ
ናይ መወዳእታ ሽቶ ኣብ ትግራይ እንታይ 'ዩ ዝብል ኣብ ዝሓለፋ ዓመታት ኣብይን ካድረታቱን ኣብ ዝተፋላለዩ መድረክ ገሊፆም እዩም። ንናይ ወፃእ ዓድታት እንተይተረፈ እውን ብግልፅ ንግሮምዎም እዮም። ካብዚ ብተወሳኪ እቶም ኣብ ዝሓለፈ ናይ ስልጣን ዘበኑ ዝግበሮምን ዝከዶም ዘሎ መንግድታትን ኣካል ነዚ ዕላሚ ንምፍፃም ምኳኖም ኣማላከቲ እዮም።
ብሓፂሩ ትግረዋይ ዝበሃል ማ/ስብ ካይህልው ምግባርን ነታ ኣብይ ዝብህጋ ኢ/ያ መሲሉ ዝነብር ማ/ስብ ኣብ ትግራይ ምህናፅን እዩ።
7. መጣቃለሊ
ኣብዚ ፅሑፉ ብጣዕሚ ብዝተወሰነ መልክዑ ኣብ ድሕረ ባይታ ናይ ኣብይ ስልጣን ፣ ዕላማታትን ዝጥቀመሎም ናይ ፕሮፓጋንዳ መንግድታትን ክግለፅ ተመኩሩ እዩ። So, if you find it interesting, please add your opinion and expand on it with more details. I believe that creating clarification on his objectives is better for determining the opportunities and challenges, as well as normalizing his evil policies and strategies.